መጽሔት ቋንቋ
ቅድሚ ጥልያን ናብ ኤርትራ ምእታው ን ስነ ቃላትን ኣካላትን፡ ጥዕናን ሕማማትን ዝምልከት ብጽሑፍ ስለ ዘይርከብ፡ ንዘመናዊ ሕክምና ዝምልከት ብትግዝእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ እዩ ክበሃል ይከኣል። ብዘበን ጥልያን ዝተጻሕፉ ሓያሎ ትምህርቲ ሕክምናን ጥዕናን ዝሕብሩ መጻሕፍቲ ተጻሒፎም ኔሮም እዮም፡ ኩሎም ኣይረኸብናዮምን ደኣ እንበር።
ኣብዚ ካብ መጽሓፍ ´´መላመድ ትምህርቲ ጥበብ” ዘርእስታ ብማሕበር ሚስዮን ካቶሊክ ተዳልዩ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ናይ ክንክን ጥዕና ሰብነትካ፡ ትምህርቲ፡ ዘርእስታ መጽሓፍ ካብ ገጽ 129 ክሳብ 149 ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ድሕሪ 1941 ዓ.ም ስርዓት ጥልያን ተሳዒሩ ምምሕዳር ጥልያን ብእንግሊዝ ምስ ተተከአ፡ ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለዉ መባእታውያን ስነ ጽሑፍ ንስለ ቃላትን ኣካላትን ጥዕናን ሕማምን ኔሮም እዮም። እታ ቀዳመይቲ ኣካላት ሰብ ትብል ብይስሃቅ ተወልደመድህን ኣተዳልወት ካብ ቃንቃ እንግሊዝ ዝተተርጎመት ሓጻር መጽሓፍ ኣብዚ ቀሪባ ኣላ።
ከምኡ ውን ብ 1918 ዓ.ም ዝተሓትመ ‘’መጽሓፍ መወልዳን’’ ኣብ ናይዚ መርበብ ካልኣይ ክፋል ቀሪቡ ኣሎ።
ብድሕሪ እዚ ውን ‘’መጽሓፍ ክንክን ጥዕና ጥዑይ ኣእምሮ፡ ኣብ ጥዑይ ሰብነት ይርከብ’’ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ መርበብ ቀሪቡ ኣሎ።
ድሕሪ 1961 ዓ.ም ኣስመራን ኣብ ሜዳን ዝተጻሕፉ መጽሓፍቲ ሕክምናን ጥዕናን ኔሮም እዮም። እዞም መጻሕፍቲ እዚኣቶም ብታይፒን ዝተጻሕፉ ስለዝኾኑ ኣብዚ እዋን እዚ ንምንባቦም ቀሊል ኣይኮነን። ይኹን እንበር ከም መወከስን ንምርምርን ከገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ሓፈሻዊ ስነ ቃላት ኣካላት ሰብ፡ ጥዕናን ሕክምናን ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ንዝምልከት ኣብ v.2 ናይዚ መጽሄት እዚ ርኤ።
ብ2013 ዓ.ም ብዶ.ር ኣብርሃም ገብረእየሱስ ዝተዳለወ ´´መፍትሕ ጥዕና´´ ዘርእስታ 496 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ
ግሩም ናይ ስነ ቃላት ኣካላት ሰብ ጥዕናን ሕክምናን ኣብ ስነ ጽሑፍ ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ ከምዘረደኣና፡ ምዕባለ እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ መባእታዊ ሕክምና ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክብ ድበለ ደረጃ በጺሑ ከምደሎ የረደኣና።
The download link is only available to the members. Please login or create an account