ዝርዝር ስነ ጽሑፍ ትግርኛን ደረስትን ኤርትራ
እዚ ጽሑፍ እዚ ናይታ ኣብ 1983 ዓ.ም. ብኣብርሃም ነጋሽ ዝተዳለወት “ብቋንቋ ትግርኛ እተሓትሙ ጽሑፋት ዝርዝር ምስ ሓጺር መግለጺታቶም” ካብ ዚብል መጽሓፍ ዝተወስደ እዩ። እዚ መጽናዕቲ እዚ፣ ብ 1869-1982 ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተሓትሙ 428 ዝተፈላለዩ መጸሓፍቲ ዚምዝግብ መጽናዕታዊ ጸብጻብ እዩ። ከም መቀጸልታዉን ካብዚ ናቱ መጽናዕቲ ብዘይፍለ ኣገባብ ብዙሓት ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተዳለዉ መጽሓፍትን ካልኦትን ንምጥቅላል ጻዕሪ ይግበረሉ ኣሎ።
ኣብዚ መስርሕ ዘለኩም ርእይቶን ነቐፈታን ብሃረርታ ክንቅበል ከምእንደሊ ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ኣዳለዉቲ
