ሩት ስምኦን ነብሳን ስርሓን ተላሊ
ዘራእቲ ዕግርግር
Interview with Dr. Mohamed Hassan by Mishiel Colon Grieguar Lallye 2011
Translate to Tigrinya by Ruth Simon 2014
እዚ መጽሓፍ እዚ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ክቆማ ከለዋ ዘጋጥመን ሽግራትን ተጻብኦን ክገልጽ ይፍትን። ምዕራባውያን ሃገራት ብሓፈሻ ክምዕብላ ኣብ ዝጽዕራ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ እስያን ብፍላይ ዕግርግር እናዘርኡ ሰላመን ክዘርጉን ምዕባልአን ክዓግቱን ዝገብርዎ እከይ ብመልክዕ ቃለ መሕትት ምስ ዶር መሓመድ ሓሰን ዝገልጽ መጽሓፍ ኢዩ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ሽግራት ናይዘን ስዒበን ተዘርዚረን ዘለዋ ሃገራትን ቦታታትን ይገልጽ።
ምስሪ፣ ቱርኪ፣ ኢራን፣ ሱዕዲ ዓረብ፣ ቱኒዝያ፣ ሊብያ፣ ህንዳዊ ውቅያኖስ፣ ፓኪስታን፣ የማን፣ ዖማን፣ ሶማሊ፣ ሱዳን፣ ኤርትራ። ነብሲ ወከፍ እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰን ደለዋ ሃገራት ከኣ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ይወሃበን፣ ርእሲ ከተማ፣ ስፍሓት፣ ብዝሒ ህዝቢ፣ ኣቃቁማ ተቀማጦ ናይታ ሃገር ማለት ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ክንደይ ህዝቢ ከምዝነብር፣ ገምገማዊ ዕምሪ፣ ፊደል ዝቆጸሩ፣ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ነጻነት ዝወጸትሉ፣ ቁጠባ ዉሽጣዊ ፍርያት፣ ምንጪ ቁጠባ፣ ውሽጣዊ ፍርያት ንነብሲ ወከፍ ሰብ፣ ዓቀን ሰብኣዊ ዕብየት፣ ስራሕ ኣልቦነትን።
ከም ዘመናዊ ታሪክ ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ከኣ፣ ካብ ንግስነት መሓመድ ዓሊ ብ 1840 ጀሚሩ ክሳብ ውድቀት መዓመር ገዳፊ ይገልጽ።
This is a translation from “La strategie du chaos” by Michel Colon and Gregoire Lalieu based on the interview they held with an Ethiopian expert Dr. Mohammed Hassan. The book demonstrates the presence of a common leading thread in all member countries of the Big Middle East.
The download link is only available to the PREMIUM members. Please login or create an account