ባቢሎን
- ክብርኣብ ፍረ ዶ/ር
- ኣስመራ ቤት ማሕተም ኤም.ቢ .ዋይ
- ዝተሓትመሉ ዓመተ ምሕረት፣- 1995
- ብዝሒ ገጻት፣- 342
ኣብ ካልኣይ ክፋል ሰማንያታት፣ ሓደ ጉጅለ ሰበ ስልጣን ደርግ፣ ኣብ መንግስቶም እምነት የጥፍኡ። በቲ ሽዑ ዝዕዘብዎ ዝነበሩ ኩነታት ከኣ ስርዓት ደርግ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ሞት ኮይኑ’ዩ ዝስምዖም ነይሩ። ብገንዘብ ርኹባት ስለ ዝነበሩ ከኣ ካልኦት ሃብታማት’ውን ኣተሓባቢሮም ድሕቲ ናጽነት ኤርትራ ነታ ሃገር ናብ “ኣዲኣ” ናብ ኢትዮጵያ ዝመልሳ መደብ ይሕንጽጹ።በዚ ኸኣ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊኦም እምነት ከም ዘሕድሩ ብምግባር ኣብ ስልጣን ክሓኽሩ’ዩ ነይሩ እቲ ዕላማ። ኣብቲ ፕሮግራም፣ ብናይ ገንዘብ ስልጣን ጽሙኣት ኤርትራውያን ክጥቀሙ’ዩም ወሲኖም። ነዚ ንምግባር 500 ገጽ ዘለዎ ሰነድ ኣዳልዮም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፣ ሳሙኤል ዝብሃል ገዲም ተጋዳላይ ነታ ሰነድ ሰለዝረኸባ፣ ነቲ መደቦም ክፈሽል ኣብ ዝኽእል ቦታ ከይበሐ ከሎ፣ ክዓግትዎ ሰፊሕ ሃድን ኣንጻር ሳሙኤል ይጅምሩ። እቲ ብድሕርዚ ዝስዕብ ጭርጭር ዓበደ ከም ናይ ኣንጭዋን ድሙን ቃልሲ’ዩ ዝኸውን። (መግለጺ ብደራሲ)
ባቢሎን
1ይን 2ን ክፋል
ብዶ/ር ክብርኣብ ፍረ
Genre: Romance, Trilogy 1 of 3
Asmara printing, first edition 1996, pages 240 pages
Eritreans have barely begun to enjoy their independence when a group of wealthy, ruthless and worldly men use stratagem to sow seeds of distrust and chaos among the locals.

Eden
Perfect