እምባፍራሽ
ሙሳ ኣሮን
ቀዳማይ ሕታም። ኣስመራ፣ ቤት ማሕተም ከኾበ ጽባሕ፣
ዝተሓትመሉ ዓመተ ምሕረት፣ 1959
ብዝሒ ገጻት፣ 94
እምባፍራሽ ዝተባህለት ብሓይሊ መስተ ተደፋፊኣ ካብ ሰብኣይ ሓብታ ከም ዝጠነሰት ይገልጽ። በቲ ናይ ኣከባቢኣ ህዝቢ ዘይተለምደ ተግባር ስለዝፈጸመት ካብ ነቐፌታ ንምድሓን ነቲ ህጻን ኣብ ጀንቢል ጠቕሊላ ኣብ ሜዳ ከምዝደርበየቶ እቲ ህጻን ብገበርቲ ሰናይ ዉላድ ዘይነበሮም ዓብዩ ተማሂሩ ሓኪም(ዶክተር) ከምዝኾነ ፣ እምባፍራሽ ሓሚማ ከይፈለጠቶ ብወዳ ተሓኪማ ከም ዝደሓነት ወዳ ሓዳር ሒዙ ሰራሕተኛ ናይ ገዝኡ ኮይና እንዳሰርሐት ከም ዝሞተት ። እምባፍራሽ ከም ኩሉ ሰብ ሓሊፋ ምስጢራ ግን ምስኣ ተቐቢሩ ተረፈ ብምባል እቲ መጽሓፍ ይዕጾ።
ብሙሳ ኣሮን እተጻሕፈ
ብ 1958 ዓ፡ም ኣብ ኣስመራ እተሓትመ
The download link is only available to the PREMIUM members. Please login or create an account