- በርሀ ኣርኣያ
- ኣስመራ፣ ቤት ማሕተም ከኾበ ጽባሕ
- ዝተሓትመሉ ዓመተ ምሕረት፣- 1959፣
- ብዝሒ ገጻት፣- 110
“ኣብ ግዜ መርዓ ዝፍጸሙ ተግባራት ዝገልጽ እዩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ መብዛሕትኡ ስነ-ስርዓት መርዓ ከምዝፍጸም ይሕብር። እቲ ዉራይ /መርዓ/ ዘለዎ ኣቦ ጓል ይኹን ኣቦ ወዲ ዘይዓቅሙ ኣነኸ ካብ መን ይሓምቕ፣ ሰብ ከይብለኒ ብምባል ዘለዎ ንብረቱን ካብ ካልኦት ተለቂሑን መርዓ ምስ ገበረ ደሓር ዕዳ ንምኽፋል ነቲ ዘጥፍኦ ንብረት ንምትካእ ዘጋጥሞ ሽግር ዘርዚሩ ይገልጽ። እቶም ተዓደምቲ ብወገኖም ከመይኢልና ክንተርፍ ብምባል ብሓደ ግዜ ናብ ብዙሕ መርዓ ይኸዱ። ሰብኣይ ሰበይቲ ዉላድ ፋሕ ኢልካ ፈቀዶ ዕድመ ገንዘብካ እንዳ ዘርዘርካ እተሕልፎ ግዜን ይገልጽ። ኣብ ዉራይ /መርዓ ዘሎ ሃለክለኽን ድኻምን ምስ ክእለትካ ዝመጣጠን ክኸዉን ከም ዝግባእ ይሕብር። “ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ” ዝብል ኣበሃህላ ዝሓዘለ ጽሑፍ እዩ”።
