ወርቕሃ
- ሙሳ ኣሮን
- ቀዳማይ ሕታም። ኣስመራ፣ ቤት ማሕተም ከኾበ ጽባሕ፣
- ዝተሓትመሉ ዓመተ ምሕረት፣ 1958
- ብዝሒ ገጻት፣ 119
ወርቕሃ ዛንታ ሂወት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣመንዝራነት ዝወደቀት እያ። ቤት መስተ ከፊታ ግዝያዊ ሃብቲ ከምዝነበራ ይገልጽ። በዚ ዝጀመረቶ ተግባር ሰብ ሓዳር ፣ ተመሃሮን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ናታ ኣርኣያ ክኽተላ ትደፋፍእ ከምዝነበረት የርኢ። ኣብ መወዳእታ ናይ መኪና ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ ዝነበራ ሃብቲ (ገንዘብ) ንኽትድሕን ብዝግአበረቶ ሕክምና ተወዲኡ ናብ ድኽነት ኣትያ። በቲ ዝነበራ ስርሓ ክትቅጽል ከምዘይክኣለት ድማ ይገልጽ። በዚ ብስጭት ዝተላዕለ ብተግባራታ እንዳተጣዕሰት ሂወታ ከም ዘሕለፈት ገሊጹ እቲ ታሪኽ ይዉዳእ። ዝኾነ ነይምለስ ጓህሪ ነይኩለስ። ዝበሃል ናይ ኣቦታት ምስላ ኣብዚ ይምሰል።
መልእኽቲ ናይታ መጽሓፍ ስራሕ ኣመንዝራነት ጠንቒ ሕብረተሰብ ምዃኑ ይገልጽ”።
ወርቅሃ
ብሙሳ ኣሮን እተጻሕፈ
